$left
$middle

ሓበሬታ ብዛዕባ መጐዓዓዚ ናብ፡ ቅድመ-ትምህርቲ፡ መባእታዊ ቤትትምህርቲን ፍሉይ መባእታዊ ቤትትምህርትን

ኣብ ኮሙናዊ ”ቅድመ-ትምህርቲ” ወይ ኣብ ግላዊ ”ቅድመ-ትምህርቲ”፡ መባእታዊ ቤትትምርህቲን ኣብ ፍሉይ መባእታዊ ቤትትምርህቲን ዚኸዱ ተመሃሮ፥ ናይ ቤትትምርህቲ መጐዓዓዚ ምርካብ መሰል ኪህልዎም ይኽእል’ዩ። ነዚ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ናይ ምርካብ መሰል’ዚ ዚምጥንዎ፤ እቶም ሕጊታት ቤትምህርቲን ናይ ከተማ ማልመ ምሕደራዊ መምርሒታትን እዮም። ብመሰረት ሕጊ ቤትትምህርቲ፡ ንተመሃሮ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ከውህብዎም ዚኽእሉ መሰረታት እዞም ዚስዕቡ እዮም፡

  • ናብ ቤትትምህርትኻ ዘሎ ርሕቀት
  • እቲ ተመሃራይ ናብ ቤትትምህርቱ ዝመላለሰሉ መገዲ ዘሎ ናይ ትራፊክ ሃለዋት
  • ናይ ተመሃራይ ናይ ስንክልና ኵነታት
  • ካልእ ኪህልዉ ዚኽእሉ ፍሉያት ኵነታትን እዮም።

ንናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ምልክታ ምቕራብ

ብመሰረት ሕጊ ቤትትምርህቲ ሽወደን፡ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ መሰል ከም ዘሎካ ንምፍላጥ፥ ምልክታ ንናይ ቤትትምርህቲ መጐዓዓዚ ክተቕርብ ይግብኣካ። ምልክታ ብድሕሪ ምቕራብካ፡ ሓደ ፈጻሚ-ጉዳያት (handläggare) መሰል ናይ ቤትትምህርቲ መጕዓዓዚ ዘሎካ ምዃንካ ንምርግጋጽ፥ ነቲ ዘእተኻዮ ምልክታ መሰረት ብምግባር ኪምርምሮ እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣብቲ ተቕርቦ ምልክታ፡ ስለምንታይ ውላድካ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ዘድልዮ ምዃኑ፥ ጽቡቕ ጌርካ ክትገልጽ ኣገዳሲ ዚኸውን።

ውላድካ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ክረክብ እንተ ተፈቒዱሉ

እቲ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ውሳኔ፥ ነየናይ ጊዜ ከም ዘገልግል፡ ኣብቲ መንጸፍ ናይ ውሳኔ ክትረኽቦ ኢኻ። ካልእ ዝተገብረ ለውጢ ምስ ዘይህሉ፥ ንኣብነት ቤትትምህርቲ ወይ ገዛ ምቕያር ምስ ዘጋጥም እዩ። እንተ ደኣ እቲ ውላድካ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ንኽረክብ ዘኽኣሎ ኵነታት ምስ ዚቕየር፥ ንምምሕዳር ከተማ ማልመ ክተፍልጦም ከድልየካ እዩ።

እቲ ዋና መምርሒ፡ እቲ ናይ ቤትትምርህርቲ ምጐዓዓዚ፡ ናይ ኣውቶቡስ ካርድ ተጠቒምካ ብህዝባዊ-ትራንስፖርት (kollektivtrafik) ንኺግበር እዩ። ኣብ ገለ ፍሉይ ኵነታት ግን፡ እቲ ተመሃራይ “ብህዝባዊ-ትራንስፖርት” ኪመለላስ ስለ ዘይክእል፥ ኣድላይነት ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ (ከም ታክሲ-ቤትትምህርቲ፡ ኣውቶቡስ ቤትትምህርቲ ወይ ውን ካልእ ፍልይቲ ማኪና) ከድልዮ ይኽእል‘ዩ። እቲ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ፡ ካብ ሓደ እቲ ተመሃራይ ዝነብረሉ መራኸቢ ቦታ - ናብ ቤትትምህርቲ፥ ከምኡ ውን ካብ ቤትትምህርቲ ናብ ገዛኻን እዩ። እቲ መደብ-ሰዓታት ናይ ቤትትምህርቲ - ንሱ ውን መምርሒ ናይቲ መደብ መጐዓዓዚ ቤትትምህርቲ ኪኸውን’ዩ።

ከም ልሙድ፡ ውላድካ ናይ ቤትትምህርቲ መጐዓዓዚ ኣይኪፍቀደሉን’ዩ፡ እንተ ደኣ፡-

  • እቲ ምልክታ ዘቕረብካሉ ቤትትምህርቲ፡ ካብ ቤትካ ኣዝዩ ርሑቕ ኰይኑን ናብኡ ድማ ክትከይድ እንተ መሪጽካን
  • ቤትትምህርቲ ክትቅይር እንተ ደኣ መሪጽካ
  • ገዛ እንተ ግዒዝካ፡ ግን ድማ ኣብቲ ናይ ቀደም ቤትትምህርትኻ ክትጸንሕ ምስ ትደሊ
  • ካብ ከተማ ማልመ ወጻኢ ናብ ዝዀነ ግላዊ ወይ ኮሙናዊ ቤትትምህርቲ ትኸይድ እንተ ዄንካ'ዩ።

Kontaktinformation

Malmö stads kontaktcenter

Telefon:
040-34 10 00
Telefontider:
Vardagar 08.00–17.00
Postadress:
205 80 Malmö
ti